top of page

ኮሮና ቫይረስ

-እንታይ ንፈልጥ ኣብ 24 መጋቢት 2020-  

እዚ ገጽ ዘዳለናዮ ብተደጋጋሚ ካባኹም ብዝመጸና ሕቶ  መሰረት ብምግባር ኢዩ::

እዚ ዘሎ ኩነታት ብቕልጡፍ ይቀያየር ስለዘሎ እቲ ዘሎ ኩነታት መዓልታዊ ክንሕብር ክንፍትን ኢና::

እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓበሬታ ስጋብ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ ኩነታት ኢዩ::

ምናልባት ዘይበረሃልኩም ወይ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ንናይ ቐረባ ተሓጋገዝትኹም ሕተቱ 

ንሳቶም እንተዘይሃልዬም ግን ናብዚ ቁጽሪ  ስልኪ ብምድዋል ንዓና ርኸቡና (ካሲ: 691311890)ወይ(ኣምበር:621811162)


 

 ምልክታት ኮሮና ቫይረስ

  • ረስኒ

  • ሰዓል

  • ጸገም ናይ ምስትፋስ

  • እቲ ቫይረስ ዝንጽረሉ ግዜ ክሳብ 14 ምዓልታት ይወስድ

 ነዚኦም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶ ዘለው ምልክታት እንተሃልዬምኻ ክትገብሮም ዘለካ ነገራት?

  • ናብ ሓኪምካ ደውል እምበር ናብኡ ምኻድ ኣየድልይን ኢዩ እዚ ማለት 

ነቲ ቫይረስ ንኸይላባዕ ንምክልኻል ::

  • ኣብ ዝደለኻዬ እዋን ንኮሮና ቫይረስ ተባሂሉ ዝተዳለወ ቁጽሪ ስልኪ

ብምድዋል ኣገልግሎት ትረክብ 80028080

  • ንቐዳማይ ረድኤት ንምርካብ ድማ በዚ ቁጽሪ  ስልኪ ምድዋል ይከአል 112

ብኸመይ ክንኸላኸሎ ንኽእል

  • ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ብዘይካ ኣገደስቲ ነገራት ንኣብነት መድሓኒት ንምግዛእ ኣስቤዛ ምስ ዘድልየና::

  • ስለምንታይ እዚ ናይ ምንቕስቓስ ናጽነት ንምንታይ ተኸልኪሉ?

   እዚ ውሳነ ንብሙሉኡ ተቐማጢ ሃገረ ሉክሰምበርግ ዝተወሰነ ኮይኑ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል ተወሲኑ

እቲ ዕላማ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኢዩ::

  • ኢድካ ብቐጻሊ ምሕጻብ ብማይን ሳምናን 

  • ምትንኻፍ ምውጋድ.ሰላምታ,ምስዕዓም ምውጋድ

ርሕቐትካ ምሕላው ካብ ሓደ ሰብ 1ሜትሮ ምርሓቕ

  • ኣብ ደገ ጸኒሕካ ዓይንኻ ኣፍንጫኻ ገጽካ ዘይምትንካፍ 

  • ክንስዕል ከለና ብኢድና ክንሽፈንና ወይ ከኣ ብመዲል ክኸውን ኣለወ ምኽንያቱ ክንስዕል ከለና እቲ ቫይረስ

ናብ ካሊእ ሰብ ስለዘስፋሕፍሕ

  • ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ተወሳኺ ሕማም ዘለወም ሰባት ዝያዳ ተጠቃዕቲ ይኾኑ::

For more details, go to the dedicated site of the Ministry of Health.

   እዚ ዘሎ ናይ ለበዳ እዋናት አብ መስርሕ ወረቐተይ ዘምጽኦ ጽልዋ

ኣነ ናብ ካልእ ኣባል ኤሮፖዊ ሕብረት ዝኾነት ሃገር ክምለስ ይኽእልዶ ምክንያቱ መንግስቲ ሉክሰምበርግ ብሕጊ ናይ ዓሸራ ናብቲ ሃገር ክምለስ ስለዝተወሰነለይ ኣነ ናብቲ ዓሻራ ዘለኒ ሃገር ክመልሱኒ ድዬም?
> መስርሕ ምስግጋር ተናዊሑ ኣሎ ስጋብ ሓድሽ ሓበሬታ ዝመጽእ

 

ናይ ሚኒስትሪ መንቐሳቐሲ ወረቐተይ ዕለቱ ሓሊፉ ስለዚ እንታይ ክገብር ኣለኒ

ብምኽንያት እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ቤት ጽሕፈት ኢሜግሬሽን ስጋብ ሓድሽ ሓበሬታ ዝመጽእ ተዓጽዩ ስለ ዘሎ 

ንዘይተፈልጠ ግዜ ተናዊሑ ኣሎ 

ናይ ሉክሰምበርግ መንበሪ ፍቓደይ ድሕሪ  1 መጋቢት 2020 ክወድቕ ኢዩ ስለዚ ኣነ ኣብ ሉክሰምበርግ ዘይህጋዊ ድየ

> መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ናይ ሉክሰምበርግ ንሓጺርን ንነዊሕን ግዜ ዘለወም ድሕሪ 1 መጋቢት 2020 ዝወድቕ ምሕዳስ ንዘይተፈልጠ ግዜ ተናዊሑ ኣሎ

 

ናብ ሚኒስትሪ ዘማልኦ ወረቓቕቲ ኣለኒ እንታይ ክገብር ኣለኒ

ቤት ጽሕፈት ኢሜግሬሽን ንግዚኡ ተዓጽዩ ስለዘሎ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ብደብዳቤ ምስዳድ ይከኣል 

Ministry of Foreign and European Affairs
Directorate of Immigration - Foreign Nationals’ Service
PO 752
L-2017 Luxembourg

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነቶም ሚኒስቴር ፖስታውን እዚ ኩነታት ስለዝጸልወም ደብዳቤካ ብቑልጡፍ ከይበጽሕ ይኽእል ኢዩ

See the communication of the Directorate of Immigration of the Luxembourg Ministry of Foreign and European Affairs of 19 march 2020

See also : ASTI - COVID-19: Mesures pour ressortissants de pays tiers / measures for third-country nationals

See also : Luxembourgish Red Cross / Lisko's page about Coronavirus :  Be safe, stay informed #covid19 

bottom of page